Monday , May 20 2024

ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ኣሰካፊ ዝኾነ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ይረአ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ እንዳ መናበይ ኣረጋውይን፡ ምውሳኹ ተፈሊጡ።

እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ተርእዮ፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝሕብር ሓያል ምልክት እዩ ክብል ኣማኻሪ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምንጪ’ቲ ቫይረስ ንምፍላጥ፡ ንሰራሕተኛታትን ሕሙማትን ተወሰኽቲ መርመራታት ክንገብር ይግባኣና።

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ብወገኑ፡ እዚ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣሰካፊ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ።

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ካብ ዕለት 19/10/2020 ጀሚሩ፡ ንኽልተ ሰሙን ዝኸይድ ትርር ዝበለ ህዝባዊ መምርሒታት ከምሓላልፍ ሓቢሩ ኣሎ። መጠን ምስፍሕፋሕ ኮሮና፡ ኣብ ውሱን ከባቢታት፡ እናዓበየ ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ነቲ ከባቢ ዝምልከት፡ ፍሉይ መምርሒታት ከመሓላልፍ ክጅምር ምዃኑ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com