Monday , May 20 2024

ኣብ ኦምዩ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ወሲኹ ተባሂሉ

ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ክውስኽ ከምተራእየን፡ ክሳብ 22 ሰባት፡ ብኮሮና ከምተለኽፉን መብዛሕትኦም ድማ ካብ ኦምዮ ምዃኖም፡ በዓል መዚ ጥዕና ምምሕዳር ቬስተርቡተን ሓቢሩ።

ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ ከምዘሎ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ጉዳይ መልከፍቲ፡ ብውልቅን ብሓንሳብ ዝነብሩ ኣባላት ስድራቤትን ዝምልከት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለዎን ብፍላይ ድማ ናብ ቤት ምግብታትን ኣብ ዝኸድሉ እዋናት መምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ከዘውትሩ ከምዝግባእ ሓኪም ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ስቴፋን ስቲንማርክ ኣዘኻኺሩ።

 ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝጅምር፡ ኣብዛ ምምሕዳር ጥራይ፡ 905 ሰባት ብኮሮና ክልከፉ እንከለዉ፡ 31 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና’ቲ ምምሕዳር ይሕብሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com