Monday , May 20 2024

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሓድሽ ቦታ መሐከሚ ግዳያት ለበዳ ክሮና ይኽፈት።

ካብ ሎሚ ሰኑይ ኣትሒዙ ተወሳኺ ሆስፒታል ንምህናጽ ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ስራሕ ምጅማሩ ተገሊጹ’ሎ። ዳይረክተር ጥዕና ዞባ ስቶክሆልም ብዦርን ኤሪክሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝኸፍአ እንተመጸ ኢልና ግና ብሩህ ተስፋ እናማዕደና ኢና ንዓዪ ዘሎና ኢሉ። እዚ ሆስፒትል ብምትሕብባር ሓይልታት ምክልኻል ሽወደንን ዝስራሕ ዘሎ ኮይኑ ብኮሮና ንዝተጠቕዑ ሕሙማት ጽዑቕ ክንክን ኣብ ምሃብ ክሰርሕ እዩ።፡

ሕጂ ዘለዉና ናይ ጽዑቕ ክንክን ቦታታት ባዶ እኳ እንተኾኑ እዚ ኲነታት ኣብ ዝቐልጠፈ ክቕየር እዩ ዝብል ተስፋ ሓዚልና ንነገራት ቀዲምናዮም እናሓሰብና ኢና ንኸይድ ዘሎና ክብል እውን ገሊጹ’ሎ። ስቶክሆልም በዚ ሕማም ከም እተወቕዐትን ዛጊት ልዕሊ 661 ሰባት ምሕማሞምን ሸውዓተ ካብዚእቶም ምሟቶምን ተገሊጹ’ሎ። እዚ ዘሎናዮ ጽንኲር እዋን ምትሕግጋዝ መንግስታት ዝሓትት እዩ ዝበለ ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ስቶክሆልም ኣንድርያስ ሃትዚገርጉ ብዛዕባ ዋጋ ክራይ ሕጂ ክዛረብ ድሌት ከም ዘይብሉ ወሲኹ ጠቒሱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com