Monday , May 20 2024

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ቁጽሪ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ክውስኽ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

ክኢላታት ተላባዕቲ ሕማማት ከም ዝገለጽዎ ኣብ ሽወደን ብፍላይ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተወሰኽቲ ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ክጽብጸቡ ከም ዝኽእሉን እቲ ቊጽሪ ክብ ክብል ከም ዝኽእልን ኣመልኪቶም ኣለዉ። ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ኣንደርስ ተግኔል ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ብዙሓት ግዳያት ጽንኲር ዘይኰነ ሕማም ምስዓቡን ገና ብዙሓት ሰባት ክልከፉ ከም ዝኽእሉን ኣመልኪቶም ኣለዉ። ተግኔል ናብ ሽወደን ዝግበር ኲሉ ዘየድሊ ጒዕዞታት ክእገድን ኣብ ክሊ 70ታት ዘለዉ ሽማግለታት ማሕበራዊ ምትሕውዋስ ከጒድሉን ኣብ ቤቶም ምሕላፍ ክለማመዱን ጻውዒት ጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com