Tuesday , May 21 2024
Now doctors are sounding the alarm about a number of shortcomings in healthcare for children in Region Stockholm. Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ኣብ ክንክን ናይ ቖልዓ ዘጋጥሙ ሕጽረታት ብዝምልከት፡ ሓኻይም፡ ናይ መጠንቀቕታ ደወል የስምዑ

ልዕሊ 250 ዝኾኑ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ዝርከቡ ሓኻይም፡ ኣብ መስርሕ ሓለዋ ጥዕና ናይ ቆልዑት ዘጋጥሙ ብዘለው ብርክት ዝበሉ ሕጽረታት ዘለዎም ስግኣት ኣብ ምግላጽ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

 ኣብ ግዜ ቀውዒ፡ ሓደ ሓደ ቆልዑት፡ ሓኪም ንኽርእዮም ኣብቲ ናይ ህጹጽ መሐከሚ ክፍሊ ክሳብ 16 ዝኸውን ሰዓታት ክጽበዩ ዝገደዱሉ ግዜ ኣሎ” ክትብል ሓኪም ስታቭራውላ ኣናስታሶፓውላው ንDagens Nyheter ገሊጻ።

ኣብ ኣስትሪድ ሊንድግሬን ናይ ቆልዑት ሆስፒታልን (Astrid Lindgren Children’s Hospital) ኣብ ሳችኬስካ ናይ ቆልዑት ሆስፒታልን (Sachsska Children’s Hospital) 251 ዝኾኑ ሓኻይም ንኣይሪን ስቬኖኒዩስ ቤት ጽሕፈት ናይ ዞባ ቑጠባን (Financial Region Council) ኣና ስታርብሪንክ ቤት-ጽሕፈት ዞባዊ ጥዕናን (Health Region Council) ዝተፈረመ ደብዳቤ ከም ዝሰደዱ ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ሓኻይም ብዛዕባ እቲ ዝርአ ዘሎ ሓያል ሕጽረት ናይ ዓራትን ንቆልዑ ብዛዕባ ክግበር ክንክናት ንመጻኢ እቲ ክግበረሎም ዝግብኦ ሓገዝ ብዝምልከት ከመይ ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል ሕቶ ከም ዘለዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣብ ሁዲኘ ዝርከብ ካሮሊኒስካ ዩኒቨርሲቲ ሓኪምን ካብቶም ናይቲ ደብዳቤ ፈረምቲ ሓንቲ ዝኾነት ካታሪና ዊዴ፡ እቲ ኣብ ሆስፒታላት ዝርአ ሕጽረተ ናይ መሐከሚ ቦታ ንሓለዋ ጥዕና ናይቶም ቆልዑት ናይ ዘይምርግጋእ ኩነታት ክፈጠር ምኽንያት ከምዝኸውን እያ ትዛረብ።

 “እቲ ጸገም፡ ሕጽረት ናይ ቦታ ኣብ ዘለወሉ ኩነታት እቶም ቆልዑት ኣብቲ ናይ ህጹጽ መሐከሚ ክፍሊ ተጻቢቦም ክድቅሱ ኣንተተገብረ’ኳ፡ እቶም ወለዶም ግና ዝድቅሱሉ ቦታ ኣይረኽቡን ዘለው። ድሕሪኡ ህርመት ናይ ልቦም ኮነ ኣታናፋፍሳ ናይቶም ቆልዑት ክከታተል ዝኽእል ክኢላ ኣብቲ ቦታ ኣይህልውን ምኽንያቱ ካልኦት ሕሙማት ክርእዩ ስለዝኸዱ” ክትብል ንሳ ንDagens Nyheter ገሊጻ።

ኣና ስታርብሪንክ፡ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ መልከፍቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ መስርሕ ሓለዋ ጥዕና ብሙሉኡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸገም ከምዘሎ እያ ትገልጽ።

 “ነቲ ሓለዋ ጥዕና ተወሳኺ ሓገዝ ክንገብር ኢና፡ ይኩን እምበር ኣብ ሓጺር እዋን ዓቢ ኣበርክቶታት ክንገብር ዘኽእል ዓቕሚ የብልናን። ነዚ ኣብ ነዊሕ ግዜ ትልሚ ክንሃንጾ ይግባኣና፡ ኮይኑ ግና ኣብዚ ዓመት’ዚ ክንኣትዎ ንኽእል ቃል ናይ ገንዘብ ምውፋር የለን” ክትብል ስታርብሪንክ ነቲ ጋዜጣ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com