Tuesday , May 21 2024

ኣብ ወፍሪ ምረጹኒ ማሕበራዊ ሚድያ ነቲ ያታዊ ኣገባብ ይትክኦ ኣሎ ተባሂሉ።

ተወዳደርቲ ሰልፊታት ሽወደን፡ ምስ ምቕራብ ናይቲ ኣብ 11 መስከረም ዝካየድ ምርጫ ሽወደን ናይ ምረጹኒ ወፍረን ዘካይዳሉ ኣገባብ ኣቓልቦ ይስሕብ ምህላዉ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዘን ሰልፊታት ብኸመይ እየን ፖሊሲታተን ምስ ህዝቢ ዘፋልጣ ዘለዋ ዝብል ሕቶ ንምፍታሽ፡ እታ ሬድዮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ መምህር ስትራቴጅያዊ ርክባት ከምኡ’ውን ተመራማሪ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ምስ ዝኾነ ኒልስ ጉስታፍሰን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ ሰልፊታት ፖለቲካ ንማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይጥቀማ ምህላወን ኣጣሊላ’ላ።

“ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ናይ ምረጹኒ ፖስተራት ኣብ ንእሽቶ ስክሪን ከም ዝስኳዕ ኮይኑ ይቐርብ ኔሩ። ሕጂ ግና ማሕበራዊ ሚድያ ነዚ ዝጸንሐ ያታዊ ኣገባብ እናተክአ ይመጽእ እዩ ዘሎ” ኢሉ’ሎ–ጉስታቭ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com