Monday , May 20 2024

ኣብ ውሱናት ምምሕዳራት ሽወደን፡ ለበዳ ኮሮና ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ከም በዓል ቬስተርቡተን፡ ዳላርናን ስቶክሆሎምን ዝኣመሰላ ምምሕዳራት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ይረአ ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ሓቂ ነዚ ዝመስል’ኳ እንተኾነ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ስም ናይተን ምምሕዳራት ከይገለጸ፡ ተወሳኺ ቀይድታት ከመሓላልፍ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር።

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብደርጃ ምምሕዳራትን ከባቢታትን፡ መምርሒታት ከመሓላልፍ እዩ ክትብል ኣብ’ቲ በዓል መዚ፡ ሓላፊት ኣሃዱ ዝኾነት ካሪን ቴግማርክ፡ ገሊጻ።

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ኣብ ምምሕዳራት ይኹን ኣብ ከባቢታት ዝረአ መልከፍቲ ኮሮና ብኣግኡ ንምቁጽጻር ዘኽእል ስትራተጂ ክትግበር ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

ኣገዳሲ እንተኾይኑ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ደው ከብል፡ ስድራቤታዊ ውሸባ ምክያድ ወይ ድማ ኣብ ገዛ ኮንካ ምስራሕ ዝኣመሰሉ ቀይድታት ከመሓላልፍ ከምዝኽእል ይግመት።

እቲ ዘለናዮ ኩነታት፡ ኣሰካፍን ሓደገኛን ብምዃኑ፡ ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ንኹሉ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝመሓላለፍ መምርሒታት፡ ምሕጻብ ኣእዳውን ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ከዘውትር ከምዝግባእ ክትብል ቴግማርክ ዘረባኣ ዛዚማ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com