Monday , May 20 2024

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ 13 ሰባት ሞይቶም ተባሂሉ

ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝተመዝገበ ድምር ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 13 ጥራይ ከም ዝነበረን ጠቕላላ ድምር ናይቶም ኣብ መላእ ሽወድን ዝሞቱ ሰባት ድማ 5433 በጺሑ ኣሎ። ጠቕላላ ድማር ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ድማ 73061 በጺሑ ኣሎ። ጠቕላላ ቁጽሪ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝተገብረሎም ሰባት ድማ 2461 በጺሑ ክብል ጸብጻባት ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱን ወይ ድማ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ሰባት ክጎድል ይረአ ኣሎ ክብሉ ሰብ ስልጣን ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ምግላጾም ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com