Tuesday , May 21 2024
People gather and walk in front of the Trevi fountain in Rome,(Cecilia Fabiano/LaPresse via AP) ROM806

ኣብ ዝመጽእ 50 ዓመታት፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኢጣልያውያን ክቕንስ ምዃኑ ይግመት

ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ 50 ዓመታት፡ መጠን ብዝሒ ህዝቢ ኢጣልያ ብ 20% ክጎድል ከም ዝኽእል ይግመት። እዚ ማለት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ 59.6 ሚልዮን ናብ 47.6 ሚልዮን ከንቕልቁል እዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻባት በዓል መዚ ሃገራዊ ስታትስቲክስ ኢጣልያ፡ ኢስታት (Istat)፡ መስረት ብምግባር ሓቢሩ።

ብብዝሒ ህዝቢ እንክረአ፡ ኢጣልያ ሓንቲ ካብተን ዝተሓተ መጠን ወሊድ ዘለወን ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ‘ያ። ብመሰረት ኢስታት፡ ኣብ ዓመተ 2050፡ ትሑት መጠን ወሊድ ንመጠን ብዝሒ ናይቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ካብ 23% ናብ 35% ከዛይዶ ከምዝኽእል ይግመት። ብተመሳሳሊ፡ ገምጋም ማእከላይ ዕድመ ህዝቢ ጥልያን፡ ካብ 45.7 ናብ 50.7 ዓመታት ክድይብ እዩ።

እቲ ቕርጺ ብዝሒ ህዝቢ፡ ድሮ ልዑል ዘይምዕሩይ ቑጽሪ ዓበይቲ ሰባት ‘ዩ ዘርኢ፡ ነዚ ዝድይብ ዘሎ ኣንፈት ዝቕንስ፡ ዝኮነ ዝቐርብ ህሉው ሮቓሒ ድማ የለን።

ካብ 2007 ንደሓር፡ ዓመታዊ መጠን ሞት እታ ሃገር፡ ምስ መጠነ ወሊድ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝለዓለ ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት፡ ዓመታዊ መጠነ ሞት፡ ዕጽፊ ናይ መጠን ወሊድ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ተመራመርቲ ትካል ኢስታት፡ ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com