Monday , May 20 2024

ኣብ ዮተቦሪ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ትምህርቲ ንጥፈታታ ኣቋሪጻ

ኣብ ከተማ ዮተቦሪ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ብሰንኪ ኣብ መማህራንን ተማህሮን ዝተራእየ ሓድሽ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ትምህርታዊ ንጥፈታታ ከምዘቛረጸት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ዮተቦሪ ሓቢሩ ክብል ጸብጻብ SVT Väst ኣቃሊሑ።  

መብዛሕትኦም ግዳያት መልከፍቲ ዝኾኑ፡ እቶም ኣብ ምስትምሃር፡ ናይ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ዘድልዮም ሰባት፡ ዝነጥፉ መምህራንን ተማሃሮን ምዃኖም እቲ መደበር ተለቪዥን ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ጉዳይ ብጥዕሚ ተኣፋፍን ኣሰካፍን ብምዃኑ፡ እዚ ውሳኔ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማን ኣብ ቬስተር ጎትላንድ ዝርከቡ ሓካይም ምክልኻል ለበዳን ብምርድዳእ ዝተወስደ ምዃኑ ሓለቓ ቤት ትምህርቲ፡ ሄሌን ኦዲንጎንግ፡ ሓቢራ።

እቶም ተማሃሮ፡ ኣብ ገዝኦም እንከለዉ፡ ብናይ ርሑቕ ኣገባብ ትምህርቲ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ክመሃሩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com