Monday , May 20 2024
Foto: Gorm Kallestad / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኣብ 60ታት እትርከብ ሰበይቲ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሳ

ኣብ ክሊ ዕድመ 60ታት እትርከብ ሰበይቲ 70ታት ንዝዕድሜኡ ሰብኣይ ክትቀትል ድሕሪ ምፍታና ተኸሲሳ። በዚ ፈተነ ቅትለት ብተደጋጋሚ ብስሕለት እተወግአ ሽማግለ ናብ ሆስፒታል ሃውክላንድ ክውሰድ ተጊሩ’ሎ። እታ ሽማግለ ነዚ ተግባር ፈጺመ ኣይወዓልኲዎን ክትብል ናይ ክሕደት ቃላ ሂባ’ላ።.

እዚ ፍጻመ ኣብ ብረመስ ምምሕዳር ከተማ ቦምል ምዕራብ ኖርዌይ እዩ ተኸሲቱ። ፖሊስ ነቲ ከባቢ ከም ዝሕጸር ጌሮም መርመራኦም ይቕጽሉ ምህላዎም ፖሊስ ኣውራጃ ደቡባዊ ምዕራብ ኖርዌይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።

“እታ ኣብ ቅትለት ውዒላ ተባሂላ እተጠርጠረት ካራ ንተወሳኺ መርመራ ኣብ ኢድ ፖሊስ ትርከብ ኣላ። ሕጂ ዝርዝራት እዝ ፍጻመ ክንህብ ኣይንደልን ኢና። ዛጊት ኣብዚ ጒዳይ መሰኻኽር ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ንዝበልናዮም ሰባት እውን ኣዘራሪብና ኣሎና” ክብል ጠበቓ ፖሊስ ፈደሪክ ማርቲን ሶማ ገሊጹ። እታ ሰበይይቲን እቲ ግዳይን ይፋለጡ ምንባሮም እንተኾነ ግና ፖሊስ ብዛዕብዚ ተወሳኺ መብርሂ ክህብ ድሌት ከም ዘይብሎም ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ።

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com