Monday , May 20 2024

ኣቦ ወንበር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ካብ ሽወደን ክንመሃር ይግበኣና ይብል

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ዝተጠቀመትሉ ስትራተጂ ንምግምጋም፡ ሽወደን፡ ሓዳስ ኮሚቴ ምቛማ ዝነኣድ ተበግሶ እዩ ክብል ኣቦ ወንበር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ቴድሮስ ገብረየሱስ፡ ሓቢሩ።

ሽወደን፡ ጸረ ለበዳ ኮሮና ዝወሰደቶ ስትራተጂ ክትግምግሞን ክትርደኦን ምፍታና ብጣዕሚ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑን፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ድማ ነዚ ሽወደን ትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ከም ዝሙግስን፡ ካልኦት ሃገራት ኣሰር ሽወደን ክስዕባ ከምዝግባእ፡ ገብረየሱስ ምስ ጋዜጣ ስቨኒስካ ዳግብላደት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ገሊጹ።

ሽወደን ዝተኸተለቶ ስትራተጂ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝተኸተለኦ ኣገባብ ፍልይ ዝበለ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገዚፍ ጻዕሪን ዋጋን ዝሓተታ ምንባሩ ይዝከር። ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ቅኑዕ፡ ፍሉይን ፍሉጥን ኣገባብ የለን ክብል ብምውሳኽ ገሊጹ።  

ሽወደን ንእተኸተለቶ ኣገባብ ጸረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እትግምግም ብኣህጉራዊ ክኢላ፡ ማትስ ሚሊን፡ እትምራሕ ብሕታዊት ኮሚቴ ብዕለት 30/06/2020 ብመንግስቲ ሽወደን ከም ዝቖመት ይዝከር።

መንግስቲ ሽወደን፡ ትካላት መንግስቲ፡ ምምሕዳራትን ኮሙናትን ጸረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ጽልዋታቱ ንምቕናስን ንእተኸተልዎ ኣገባባት (ሜላታት) ምግምጋምን ብሓደ ሸነኽ፡ ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን ንዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምቁጽጻር ዘለዎ ዓቕሚ ንምግምጋም ድማ ብኻልእ ሸነኽ፡ ካብቶም ቀንዲ ዕማማት ናይታ ኮሚቴ እዮም። ቫይረስ ኮሮና ብኸመይ ኣገባብ ናብ ሽወደን ከምዝኣተወን ከምዘስፋሕፈሐን ዝገልጽ ጸብጻብ ብመንገዲ ኮሚቴ ክቐርብ እዩ።

ምስ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ዝተሓሓዝ ተወሳኺ ዕማማት ናይዛ ኮሚቴ፡ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዛት ምስ ሽወደን፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምምካት ዘስዓቦ ማሕበራውን ቁጠባውን ጽልዋታት፡ ቅልውላው ኮሮና ኣብ ልዕሊ መሰላት ቆልዑን ጾታዊ ማዕርነትን ዘስዓቦ ጽልዋታትን መንግስቲ ንንግዳውያን ትካላት ዝገበሮ ድጎማ ዘጠቓልል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com