Tuesday , May 21 2024
Egypt's President Abdel Fattah al-Sisi (Yves Herman/Pool via AP) LBJ484

ኣንጻር እቶም ሙስሊም ብራዘርሁድ፡ ሓድሽ ናይ ሞት ፍርዲታት ተወሲኑ

ኣብ ግብጺ ዝርከብ ሓደ ቤት ፍርዲ፡ ን10 ኣባላት ናይቲ ዘይሕጋዊ ዝተባህለ ሙስሊም ብራዘርሁድ፥ ንሞት ከም ዝፈረዶም ተፈሊጡ። እቶም ተኸሰስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ናይ ጸጥታ ‘ሕሱም መጥቃዕቲ ኣብጺሖም’ ብዝብል እዮም ተኸሲሶም ዘለው ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቶም ክስታት፡ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2015 ኣብ ግብጺ ኣብቲ እዋን እንዳበዝሐ ዝመጽእ ዝነበረ ኣንጻር ፖሊስ ዘቕነዐ መጥቃዕታት፡ ብዝተተሓሓዘ ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ከምዝኾኑ ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ምዕባለ ዝርአ ዘሎ፡ ኣብ ዓመተ 2015፡ መንግስቲ ግብጺ፡ ነቲ ሙስሊም ብራዘርሁድ ዝበሃል ጉጅለ፡ ከም ግብረ ሽበራዊ ትካል ድሕሪ ምስርዑ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ወሳኔ’ዚ ድሕሪ እቲ ኣባል ናይ ሙስሊም ብራዘርሁድ ዝነበረ ፕረዚደንት ግብጺ፡ መሓመድ ሙርሲ፡ ካብ ስልጣኑ በቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ምስ ተዓልወ ዝተወሰነ እዩ። ሙርሲ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንከሎ ኣብ ዓመተ 2019 ኣብ መስርሕ ፍርዲ እናሃለወ ከም ዝሞተ ዝዝከር’ዩ።
ነቲ ዕልዋ ዝመርሖ ደሓር ድማ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመረጸ፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ፡ ንደገፍቲ ሙስሊም ብራዘርስ ብጅምላ ከም ዝኣሰሮም ይዝከር።
ካብቶም ብሰንበት ንሞት ዝተፈረዶም እቶም 9 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለው ኮይኖም፡ እቲ ሓደ ግና ብኣካል ኣብ ዘይተረኸበሉ እዩ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱዎ ዘሎ። ኩሎም ኣባላት ናይቲ ሄልዋን ብሪጌድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ኣባላት ከም ዝነበሩ ተፈሊጢ’ሎ። እዚ መጸውዒ ሽም ዝመጸ ካብታ ርእሰ ከተማ ካይሮ ንሸነኽ ደቡብ ካብ እትርከብ ሓንቲ ከተማ ዝመጸ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
እዚ ናይ ሞት ፍርዲ፡ በቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝርከብ ናይ ግብጺ ናይ ስነ-መለኮታዊ ክኢላታት ዝርአ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ኣብ ወርሒ ሰነ ዕለት 19፡ እቲ ጉዳይ ከም ብሓድሽ ኣብ ቤት ፍርዲ ክርአ እዩ።
እዞም ኣብ ግብጺ ዘጋጠሙ ናይ ሙስሊም ብራዘርሁድን ጃምላዊ ማእሰርቲታት፡ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እቲ ውድብ ዝነበሩ ሰባት ዝወረደ፡ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮነነ ዝወረዶ ሕጊ ዘይተኸተለ ናይ ፍርዲ መስርሓትን ከበድቲ መቕጻዕታትን፡  ምክያዱ ምዃኑ ይዝከር።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com