Tuesday , May 21 2024

ኣወንታዊ ምዕባሌታት. . .ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘለዉ ሕሙማት ትሕቲ 100 ኮይኑ

ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝእለዩ ዘለዉ ሕሙማት ንፈለማ ግዜ ትሕቲ 100 ብምዃን ናብ 92 ሕሙማት በጺሑ።

ብዝሒ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ኣወንታዊ ዝኾነ ዘገምታዊ ምጉዳል  የርእዩ ምህላዎም ኣብ ምምሕዳር ማሕበራዊ ውሕሰነት ሓላፊት ኣሃዱ ቅልውላው ዝኾነት ዮሃን ሳንድፋል ገሊጻ።

ብጀካ ቁጽሪ ሕሙማት ኮቪድ-19 ናብ ዜሮ ምውራድ ካልእ ዝኾነ ዕላማ የብልናን ክትብል ሳንድፋል ወሲኻ።

ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ፡ ኣብ ሽወደን ኣስታት 500 ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝእለዩ ዝነበሩ ሕሙማት ነይሮማ። ብዝሒ ሕሙማት ድማ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዓቢ ፍልልይ ነይርዎ።

ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ፡ ኣጠቓቕማ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተፈላለየ እዩ። እዚ ድማ ካብ 70% ክሳብ 20% ዝርገሐ ኣጠቓቕማ ዘለዎ እዩ። ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ንምውሳኽ ጻዕርታት ከምዘካየድና ዝዝከር እዩ ክትብል ሳንድፋል ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com