Monday , May 20 2024

ኣውስትርያ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዘንበረቶ ናይ መገሻ ቀይድታት ኣልዒላቶ

ካብ ሎሚ ዕለት 24/09/2020 ጀሚሩ፡ ናብ ሽወደን ዝግበር ዝኾነ ዓይነት መገሻ ፍቑድ ምዃኑ፡ ወጻኢ ጉዳያት ኣውስትርያ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢላ፡ ሃገረ ኣውስትርያ፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደን፡ ናይ መገሻ ቀይድታት ገይራ ምንባራ ይዝከር።

ብኻልእ ወገን፡ ወጻኢ ጉዳያት ኣውስትርያ፡ ናብ ርእሲ ከተማ ቼክ ዝኾነት ብራጋን ከተማ ፓሪስ ትርከቦ ምምሕዳር ኢል ዶ ፍራንስ ዝግበር መገሻታት ፍቑድ ከምዘይኮነ፡ ሎሚ፡ ሓቢሩ።

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣውስትርያ ንኻልኣይ ግዜ ይቀላቐል ምህላው፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ቻንስለር ሲበስትያን ኮርቴዝ ምሕባሩ ይዝከር።

ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ኣውስትርያ፡ ኣስታት 780 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com