Monday , May 20 2024

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ሓድሽ ናይ መቐበሊ ማእከላት ክኸፍት እዩ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ሓድሽ ናይ መቐበሊ ማእከላት ክኸፍት ምዃኑ ገሊጹ። ካብ ዩክሬይን ዝስደዱ ሰባት ቊጽሮም እናወሰኸ ብምምጽኡን ነዚኦም መዕቆቢ ንምቕራብን እዩ እዚ ውሳነ ተበጺሑ ዘሎ። ገለ ካብዞም ዝትከሉ ማእከላት ጨንፈራት ናይቶም ኣቐዲሞም ዝጸንሑ ማእከላት ክኾኑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ፊንላንድ ብጠቕላላ 86 ናይ መቐበሊ ማእከላት ከምኡ’ውን 8 ናይ ትሕቲ ዕድመ መቐበሊ ኣሃዱታት ከም ዘለዋ ይፍለጥ። ዛጊት 42,000 ዝኾኑ ሰባት ኣብዚ ስርዓተ ምዝገባ ኣጋይሽ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ካብዚኣቶም ኣስታት 50 % ኣብ ናይ ብሕቲ መዕቆቢ 10% ከኣ ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ተዓቚቦም ምህላዎም–ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ከኣ ብምኽንያት ወራር ሩስያ ካብ ዩክሬይን ዝተሰደዱ ምዃኖም ሄልሲንኪ ታይምስ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com