Monday , May 20 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ኣገልግሎት ጥዕና፡ ተሰካሚ ኮቪድ-19 ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት ልዑል ናይ ምስግጋር ዓቕሚ ከምዘሎዎ ተሓቢሩ።

ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ሰባት ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት ዝለዓለ ናይ ምስግጋር ዓቕሚ ከምዘጥርዩን ብድሕሪኡ ግን ምዕባለ ናይ ቫይረስ ብመጠኑ ቀስ ኢሉ ከምዝሃድእን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ሓላፊት ክፍሊ ማይክሮ ባዮሎጂ ዝኾነት ካረን ቲግማርክ ፊሲል ሓቢራ። ምልክታት ሕማም ኣብ ክልተ ሰሙን ዝረአ እኳ እንተኾነ እቲ ቫይረስ ግን ኣብቶም ፈኮስቲ ምልክታት ሕማም ዝረኣይሎም ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት ከምዝባዛሕ መጽናዕታት ኣረጋጊጾም ክትብል ፊሲል ገሊጻ።

ተመራመርቲ ነዚ ውጽኢት ዝረኸቡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ላቦራቶሪ ዝገበርዎ መርመራ ምዃኑ ይገልጹ። ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት እቲ ቫይረስ ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝባዛሕን ኣብ ውሽጢ ናይቲ ሕሙም ዝርከቡ ዋህዮታት ብብዝሒ ከምዘጥቅዕን ናብ ካልኦት ሰባት ክሰጋገር ከምዝኽእልን ብድሕሪኡ ግን እቲ ምብዛሕ ብመጠኑ ከምዝሃድእን እቶም ተመራመርቲ ዝበጸሕዎ እዩ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ሓደ ምልክታት ሕማም ዘርኣየ ሰብ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ክውሸብ ኣለዎ ዝብል መምርሒ ብኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ከምዝተመሓላለፈ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com