Monday , May 20 2024

ኣፍና ምእንቲ ባህ ዘየብል ሽታ ከይሕዝ፡ ምስ ተመገብና ብማይ ክንጕጽጕጾ ኣለና ክብሉ ክኢላታት ይዛረቡ።

ክንምገብ እንከለና፡ ነቲ እንምገቦ ዘለና ዘተርክስን ዘዳቕቕን ምራቕ ናብ ኣፍና ይመጽእ’ዩ። እዚ ምራቕ’ዚ እንተውሒዱ ሓደ ካብ ጠንቅታት ምሽታት ኣፍ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ። ኣፍና ምስ መግቢ ብዝኣትዉን ካብ ካልኦት ክፍሊ ኣካላትና ብዝመጹን ባክተርያ ኩሉ ግዜ ምስ መልአ’ዩ። እዞም ባክተርያ እዚኦም ሕማቕ ሽታ ዘለዎ ጋዛት ስለ ዘመንጭዉ (ዝተፍኡ) ኣፍና ባህ ዘየብል ሽታ ይገብር።

ካብ ድቃስ ምስ ተበራበርና ዝያዳ ካልእ እዋን ኣፍና ሕማቕ ሽታ ይህልዎ። እዚ ዝዀነሉ ኣብ እዋን ለይቲ መግቢ ስለዘይንበልዕ፡ እቲ ናብ ኣፍና ዝመጽእ ምራቕ ስለዘይህሉ ወይ’ውን ስለ ዝውሕድ እቶም ሕማቕ ሽታ ዝፈጥሩ ባክተርያ ክራብሑ ምቹእ ባይታ ይረኽቡ። ዝበዝሑ ባክተርያ ኣብ ኣፍና ምህላው ድማ ነቲ ናይ ሽታ ጸገም ዝያዳ የጋድዶ። ኣልኮላዊ መስተ፡ ጥሜት፡ ብዙሕ ምዝራብ፡ መዕበስቲ ኣፍንጫ፡ ብኣፍ ምስትንፋስ፡ ዕድመ (እርጋን) ከምኡ’ውን ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣብ ኣፍና ንዝህሉ ምራቕ ከም ዝጐድል ስለዝገብሩ ከም ጠንቅታት ባህ ዘየብል ሽታ ኣፍ ይቑጸሩ።

እንምገቦም ዓይነታት መግቢ ኣብ ምሽታት ኣፍ ልዑል ተራ ኣለዎም። ከም ኣብነት ጻዕዳ ሽጕርቲ ልዑል ትሕዝቶ ሳልፈር ስለ ዘለዎ፡ እቲ ናብ ደም ተቐዪሩ ናብ ሳንቡእ ዝበጽሕ ሳልፈር ከነስተንፍስ እንከለና ንኣፍና ሕማቕ ሽታ ይገብረሉ። ኣብ ገፊሕ መዓንጣ ዝፍጠር ምቅጻል መግቢ ፍሉይ ሽታ ይፈጥር’ዩ። ሓደ ካብቶም ናይ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ዝዀነ ‘ኢንዛይም’ ድማ ነቲ ዝሽትት ዝተዳቐቐ መግቢ ሽታ ናብ ዘይብሉ ጠቓሚ ነገር ይቕይሮ።

እዚ ኢንዛይም’ዚ ዘይብሎም ሰባት እቲ ጸገማት ከጋጥሞም ይኽእል’ዩ። ዝተፈላለዩ ሕማማት ኣስናንን ግርጻንን’ወን ኣፍና ከም ዝሽትት ይገብሩ’ዮም። ደቀንስትዮ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝመጽአን እዋን ኣፈን ዘይንቡር ሽታ ክህልዎ ይኽእል’ዩ። እዚ ብምኽንያት ምቅይያር ‘ሆርሞናት’ ሰብነት’ዩ ዝፍጠር። ዝዀነ ዀይኑ ኣፍና ባዕላትና ብእንፈጥሮ ጸገማት ከምዚ ዓይነት ጸገማት ከማዕብል ካብ ከኣለ፡ ብዝግባእ ተኸናኺንና ክንሕዞ፡ ድሕሪ መግቢ ክንጕጽጕጾን ኣስናንና ቀጻሊ ክንምውጾን ኣገዳሲ ምዃኑ ምዝኽኻር እኹል’ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ነቶም ብምኽንያት ‘ዕድመ፡ ጕድለት ኢንዛይም፡ ምቅይያር ሆርሞን’ ዘጋጥሙ ምሽታት ኣፍ ግን ምስ ባህሪ ዝተኣሳሰሩ ስለዝዀኑ ነብሰ ጽልኣት ወይ ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ከይፈጥሩልና ምእንቲ ብዙሕ ግምት ዘይብሃብ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ’ዩ። ምንጪ፡ “ሪደርስ ዳጀስት”


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com