Tuesday , May 21 2024
European Commission President Ursula von der Leyen says vaccinations must continue – both within the EU and in the rest of the world. (AP Photo/Francisco Seco) FS105

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ጉዳይ ክታበት፡ ዕላማና ወቒዕና ኢና፡ ይብል

70% ካብ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ጸረ ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡን እቲ ተነቢሩ ዝጸንሐ ዕላማ ድማ ከምዝተሃረመ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ክውቃዕ ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ ዕላማ፡ ኣብ ምጅማር ናይ ዓመተ 2021 ከምዝተነድፈ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ነቲ ዕላማ ምህራሙ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነዊሕ ጉዕዞ ከምዝተጓዕዘ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ፍልልይ መጠን ክታበት ኣብ ኣባላት  ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ ዓቢ ከምዝኾነን፡ ገለ ሃገራት ልዕሊ 70% ካብ ዜጋታተን ክኸትባ እንከለዋ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ግን ብጣዕሚ ትሑት መጠን ክታበት ዘመዝገባ እየን።

70% ካብ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ምሉእ ክታበት ዝተኸትቡ እዩም። ንኹሎም ነዚ ክዉን ዝገበሩ ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ከመስግን እደሊ ክትብል ፕረዚደንት ኤውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ኦርሸላ ቮን ደር ለይን ኣብ ገጻት ትዊተራ ጽሒፋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com