Tuesday , May 21 2024
Willow is a cat in the White House. (Erin Scott/The White House via AP) WX301

እታ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ ትነብር ዝነበረት ድሙ፡ ናብቲ ቤተ-መንግስቲ ኣትያ

እቲ ትጽቢት ነዊሕ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግና ኣትያ’ላ። እታ ዊሎው ተባሂላ ትጽዋዕ ድሙ ምስቶም ኣብቲ ጻዕዳ ህንጻ (White House) ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ኣሜሪካ ቤተ-መንግስቲ ተቐማጦ ዝኾኑ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን በዓልቲ ቤቱ ጂልን ድሒራ ዝተጸንበረት ኣባል ናይቲ ገዛ ከምዝኾነት ተፈሊጡ’ሎ።

ዊሎው፡ ካብቲ ናይቲ ፕረዚደንት ዝዓበየሉ ግዝኣት ፔንሰልቪንያ ዝመጸት ክልተ ዓመት ዝዕድሚኣ ኣብ ሕርሻ ትነብር ዝነበረት ቀጠልያ ኣዒንቲ ከምኡ ድማ ጻዕዳን ሓሙኽሽታይን ሕብሪታት ዘለዎ ጸጒሪ ዘለዋን ድሙ ምዃና ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ትጽዋዓሉ ዘላ ሽም ናይቲ ዝመጸትሉ ዊሎው ግሮቭ (Willow Grove) ተባሂሉ ዝፍለጥ ካባቢ ሽም ምዃኑ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።

ዊሎው ምስተን ትፈትወን መጻወቲኣ ዝኾና ባምቡላታታ፣ ካራመላታትን ብርክት ዝበሉ ዝፍተሹን ዝሽተቱን ቦታታት እንዳናዳየት ከም በዓልቲ ገዛ ኮይና ክትዛናጋዕ ግዜኣ ተሕልፎ ኣላ” ክትብል ሚሸላ ላሮሳ ናይ ጂል ባይደን ወሃቢት-ቃል ትዛረብ።

ጆ ባይደን፡ ኣብ ፈለማ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዓመተ 2020 ነቲ ፕረዚደንታዊ መርጫ ካብ ዝዕወተሉ ግዜ ጀሚሩ እዩ ድሙ ናብቲ ቤተ-መንግስቲ ከምጽእ ምዃኑ ዝሓበረ። ቁሩብ ግዜ’ኳ እንተዶንጐየ፡ ጂል ባይደን ስእልታት ናይ ዊሎው ብዓርቢ ኣብ ገጻት ትዊተር ከምዝለጠፈት ይፍለጥ።

 ስድራ ናይ ባይደን፡ ቅድም ክብል ኮማንደር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ጀርመን ሸፐርድ (German shepherd) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓሌት ናይ ከልቢ ዝኾነ ኩርኩር ኣብ ወርሒ ታህሳስ ናብቲ ቤተ-መንግስቲ ከም ዘምጽኡ ዝዝከር እዩ።

Willow is familiar with the White House and its surroundings
(Erin Scott/The White House via AP) WX304

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com