Monday , May 20 2024

እናገፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ጋግ ድኽነትን ሃብትን

ኣብ ሰለስተ ሃገራት ማለት፡ ኣብ ናይጀርያ ህንድን ሲንጋፖርን ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ፍልልያት ኣዝዩ እናገፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ፡ ንዝተኻየዱ መጽናዕታት ብምውካስ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እተን ሰለስተ ሃገራት ነቲ ኣብ ዜጋታተን እናገፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባዊ ጋግ ከጽብብ ዝኽእል መደባት ከም ዘይብለንን፡ ብኣንጻሩ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናገፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብቲ ጉዳይ መጽናዕቲ ዘካየደ ዓለምለኻዊ ትካል ‘ኦክስፋም’ ዝዘርገሖ ጸብጻብ የረድእ።1

ደቡብ ኮርያ፡ ጆርጂያን ኢንዶነሽያን ከኣ መጠን ጋግ ድኽነትን ሃብትን ኣብ ምጽባብ ጽቡቕ ውጽኢት ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት ምዃነን እቲ ምንጪወሲኹ ይሕብር።

 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ሓደ ሚእታዊት ካብ ሃብታማት ህዝቢ ዓለም ልዕሊ ፍርቂ ካብ ሃብቲ ዓለም ይቈጻጸሩ ከም ዝነበሩ ዝገልጹ ጸብጻባት ተዘርጊሖም ምንባሮም ይዝከር።

እቲ ኣብ መንጎ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ዘለዎምን ዘይብሎምን ዘሎ ጋግ እናገፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎን፡ ፍርቂ ካብ ድኻ ህዝቢ ዓለም ዝዀነ ምምሕያሽ ናይ ቁጠባ ከምዘየርኣየን እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com