Monday , May 20 2024

ኦስሎ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ

ኣብ ርእሲ ከተማ ኖርወይ፡ ኦስሎ፡ ካብቲ ብቕድሚ ትማሊ ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ትማሊ መዓልቲ፡ ብዕጽፊ ብምውሳኹ ካብ 22 ናብ 55 ሓደስቲ ሉኹፋት ኮሮና ክብ ከምዝበለ SVT ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ በዓል መዚ ከተማ ኦስሎ፡ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ምትእኽኻብ ቀይዲ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ክእከቡ ከምዘይብሎም ሓቢሩ ምንባሩን። ፍሉይ ምትእኽኻብ፡ ከም ቀንዲ ጠንቂ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ክኸውን ከምዝኽእል ኣስሚሩሉ።

በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ፡ ንኹለን ከባቢታት ከተማ ኦስሎ፡ ኣብ ዝርዝር፡ ቀይሕ ዞን፡ ከምዘእተወን ይዝከር። ኣብ ዝሓለፉ 14 መዓልታት፡ ኣብ ከባቢ ናይ ቀደም ኦስሎ፡ ኣስታት 100 ካብ 100 ሽሕ ሰባት ከምተለኽፉ ዝሓበሩ ሰብ መዚ፡ ኣብተን ካልኦት ከባቢታት ድማ ልዕሊ 20 ካብ 100 ሽሕ ሰባት ከም ተለኽፉ ሓቢሮም።

ከተማ ኦስሎ፡ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ብመልከፍቲ ኮሮና ዝተጠቕዓ ከተማታት ንኸይትኸውን በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ የጠንቅቕ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com