Tuesday , May 21 2024

ኦስሎ፡ ፋስ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብ ኦሶሎ ቶርሾቭፓርከን፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓለዋ ብምኽታል ፖሊስ ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ፡ ፋስ ሒዙ ይንቀሳቐስ ንዝነበረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። ኣብቲ ኣጸድ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ሰባት ፋስ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ሰብ ብምርኣዮም ስግኣት ከም ዝሓዞም ፖሊስ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ጽሒፎም ኣለዉ።

ፖሊስ ነቲ ሰብኣይ ክቈጻጸርዎ ምስ ፈተኑ ብብሽክለታ ክሃድም እኳ እንተፈተነ ተታሒዙ ናብ ቤት ማሕቡስ ከም እተላእከ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com