Monday , May 20 2024

ከባቢታት ስቶክሆሎም ዝለዓለ መጠን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና የመዝግባ።

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ዝርከባ ከባቢታት ሪንክቢ (ሺሽታ) ን ስፖንጋ (ቴንስታ) እተን ዝለዓለ መጠን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዘመዝገባ ምዃነን ተሓቢሩ። ካብ ነፍሲ ወከፍ 10 ሽሕ ሰብ፡ ኣብ ከባቢ ሪንክቢ 47 ሰባት ኣብ ከባቢ ስፖንጋ ድማ 37 ሰባት ብቫይረስ ክሮና ከምዝተለኽፉ ካብ ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ለበዳ ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ስቶክሆሎም ጥራይ 3143 ሰባት ብቫይረስ ክሮና ከምተለክፉን እዚ ድማ ብገምጋም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ሽሕ ሰብ፡ 13 ሰባት ብቫይረስ ተለኺፎም ማለት እዩ።

ጠንቂ ብዝሒ ናይቶም ኣብዘን ከባቢታት ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ጻዕቂ ህዝቢ ምዃኑ ተሓቢሩ ከምዝነበረን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ እቲ ለበዳ ኣብ መላእ ስቶክሆሎም ከምዘስፋሕፈሐ ሓኪም ምቁጽጻር ለበዳ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ፒር ፎለን፡ ሓቢሩ። ምምሕዳር ስቶክሆሎም ጻዕርታቱ ብምዝያድ ብዝተፈለላዩ ቋንቋታት ንለበዳ ቫይረስ ዝምልከት ኣብ ዕዳጋታትን ሃይማኖታዊ ቦታታትን ካብ 18 መጋቢት ጀሚሩ ሓበሬታታት ከመሓላልፍ ከም ዝጀሚረ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com