Tuesday , May 21 2024

ኩባንያ ኢክያ፡ ንሰራሕተኛታቱ ናይ 14 ሽሕ ክሮነር፡ ህያብ ክህብ ወሲኑ

ዓርሞሾሽ ኩባንያ ኢክያ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት፡ ነቶም ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኣብ ጨንፈር Ingka ዝሰርሑ ሰራሕተኛታቱ፡ ንነፍሲ ወከፎም፡ 13 ሽሕን 780 ክሮነር ብመልክዕ ህያብ፡ ክኸፍል ከምዝወሰነ ብምሕባር፡ ጠቕላላ ድምር ክኸፍሎ ወሲኑ ዘሎ ገንዘብ ልዕሊ 1 ቢልዮን ክሮነር ክኸውን እዩ ክብል ከምዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ።

እዚ ህያብ ዝምልከቶም ሰራሕተኛታት፡ ኣብቲ ጨንፈር ብውሑዱ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝሰርሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ህያብ ምስ ዝቕጽል ደሞዞም ክኽፈሎም ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ጨንፈር  Ingka፡ እቲ ዝዓበየ ወኺል ኩባንያ ኢክያ ኣብ ሽወደን ኮይኑ፡ ኣስታት 378 ትካላት ዘለዎ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com