Monday , May 20 2024

ኩባንያ ኤስ ጄይ ሓደሽቲ ባቡራት ንምግዛእ ዓቢ ባጅት ይስልዕ!!

ኩባንያ መጎዓዓዝያ ኤስ ጄይ (SJ) ተሽከርከርቲ ንምሕዳስን ሓደስቲ ባቡራት ንምግዛእን 12 ቢልዮን ክሮነር ይስልዕ። ኤስጄ ቊጽሪ ተሳፈርቲ ብ 50 ሚእታዊት ንምዕባይ ምውጣኑ ይንገር ኣሎ። ቀንዲ ኣካያዲ እቲ ትካል ክቲስተር ፍሪትዘን ነዚ ዕማም ዝውዕል 12 ቢልዮን ክሮነር ክስላዕ እዩ ኢሉ’ሎ።

ህሉው ዓቕሚ ባቡራት ብ 15 ሚእታዊት ክውስኽን 60 ዝኾና ባቡራትን ክሽመታ እየን ድማ ኢሉ። እዚ ድማ ኣብ 160 ዓመት ታሪኽ እቲ ኲባንያ እቲ ዝዓበየ ሸመታ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com