Monday , May 20 2024

ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሓወዩ ሰባት እንደገና በቲ ቫይረስ ይልከፉ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነቲ ጉዳይ የጻሪ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ሓውዮም ዝተባህሉ 91 ሰባት እንደገና በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝብል ብሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ ዝወጸ መግለጺ ብመንገዲ ሮይተርስ ተቓሊሑ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ድማ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና መጽናዕቲ ከምዝጀመረ ገሊጹ። እዞም ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝነበሩ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ከምዘይሓወዩ ብሓድሽ ቫይረስ ዘይኮነ እቲ መጀመርያ ዝለኸፎም ቫይረስ ካብ ሰብነቶም ከይጸረየ ብምጽንሑ ዳግማይ ከምዝነጠፈን ምልክታት ሕማም ከምዘርኣየሎምን ሓላፊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ደቡብ ኮርያ፡ ጂዮንግ ኪዮን ኢዮንግ፡ ሓቢሩ። ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝነበሩ ሰባት ሓውዮም ካብ ዓራት ምስ ተንስኡ፡ ኩንታቶም ይመሓየሽ እዩ። ብመንጽር እቲ ቫይረስ ኣብ ሰብነቶም ዝጸንሓሉ ግዜን ኩነታት ናይቶም ዝሓወዩ ሰባት ንምፍላጥ ንዝተፈላለዩ ሰባት መርመራታት ምክያድ ከድልየና እዩ ክብል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com