Monday , May 20 2024

ካብ ባሕቲ ሕዳር ንደሓር ፍቓድ ንግድ ዘይብሎም ትምባኾ ምሻጥ ክኸልከሉ እዮም።

በዚ ኣባህላ ኣትከኽቲ ኣብ ዱካናት ሽወደን ዝገዝእዎ ዝነበሩ ሕሱር ሽጋራ ወጻኢ ደጊም ምርካብ ከጸግሞም እዩ። ካብ ባሕቲ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ዝትግበር ሓድሽ ሕጊ ሸቃጦ ትንባኾ ወግዓዊ ፍቓድ ክህልዎም ክግበሩ እዮም። ናብ ሽወደን ዝኣቱ ትንባኾ ኣብ ምቊጽጻር ብምትሕብባር ከም ዝነጥፉ እውን ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። “ዘይሕጋዊ መሸጣ ትንባኾ ብዙሕ እዩ ዘግድዓና ዘሎ” ክብል በዓልመዚ ክፍሊ ፍቓድ ማልም ካጅሳ ጉስታፍሰን ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢሩ። “እዚ ሕጊ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ኣልኮል ዝተጻዕነ ሕጊ ዝመስል እዩ። በዚ ሕጊ ሕጉሳት ኢና” ድማ ኢሉ።

ክሳብ ሕጂ ዱካናት ብዛዕባ መሸጣ ትንባኾ ናብ ምምሕዳር ከተማ ጥራይ ጸብጻቦም ዘቕርቡ ኮይኖም፥ ብዛዕባ ትሕዝቶኦም ዝኾነ ገምጋም ይግበር ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት ምምሕዳራት ከተማ ንመሸጣ ትንባኾ ምንም ይቃወማ ብዘይምንባረን ሸቃጦ ዘይሕጋዊ ትንባኾ ንምሻጥ ብዙሕ ከም ዝመዝመዝዎ ድማ ተመልኪቱ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ምምሕዳራት ከተማ ካብ ፖሊስ፡ በዓልመዚ ቀረጽን ግምሩኽን ሽወደን ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንግድ ሓበሬታ ክረኽቡን ብእኡ ኣቢሎም ድማ ፍቓድ ንግድ ክኸልኡን ክኽእሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ንግድ ትምባኾ ዝዋፈር ሰብ ቅድሚ ባሕቲ ሓምለ ምስ ምምሕዳር ከተማ ክራኸብ ከኣ ተጸዊዑ’ሎ። ኣብ ከተማ ማልም ክሳብ ሕጂ 40 ሚእታዊት ካብ ሸቃጦ ትንባኾ ፍቓድ ንግድ ክወሃቦም ኣመልኪቶም ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com