Monday , May 20 2024

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ታሪኻ ንመጀመሪያ ግዜ ጸሎት ብርሕቀት ኣካይዳ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኣማኢት ዓመታት ዝጸንሐ ስርዓትን ኣገባብን ቅዳሴ ባዓል ትንሳኤ፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19

ብዝተፈጥረ ኩነታት ክትቅይሮ ከምዝተገደደት ተሓቢሩ። እታ ቤተኽርስትያን ብብጹእ ጻጻስ እታ ቤት ክርስትያን ዝተመርሐ ስርዓተ ቅዳሴን ጸሎትን ናይ ባዓል ኣፋስጋ፣ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ዕጹዉ፣ ኣገባብ ብመገዲ ቀጥታ ፈነወ ንልዕሊ 1.3 ቢልዮን ምእመናን ካብ ቤተክርስታያን ቅዱስ ጼጥሮስ ፣ ብቐጥታ ተማሓላሊፉ።

እቶም ወዲ 83 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣርጀንቲናዊ ጻጻስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብመገዲ መርበብ ካሜራ  ኣብ

መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ንዘሎዎም ስምዒት ብሕታዉነትን ጽምዋን ኣንጸባሪቖም እዮም። ብልምድን ባህልን ስርዓተ ቅዳሴ እታ ቤተክርስትያን፣ ኣብ እዋን በዓል ትንሳኤ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤተክርስታያን ቅዱስ ጼጥሮስ ስጋብ 70 ሽሕ ዝበጽሕ ሰብ ይሳተፍ ምንባሩ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com