Monday , May 20 2024
bbc / GETTY IMAGES

ካፒታል ዋን፡ ሰነድ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ውልቀሰባት ዝሰረቑ ተኣሲሮም

ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ዝርከቡ ከባቢ 160 ሚሊዮን ውልቀሰባት ዝርዝር መረዳእታ፡ ብሰርሰርቲ ተሰሪቑ ኢሉ፡ ኩባኒያ ኣገልግሎት ካፒታል ዋን።

እቲ ኩባኒያ ትማሊ እቶም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተው’ዩ ነዚ ወግዓዊ ገይሩ።

ከም ሓበሬታ ካፒታል ዋን፡ እቲ ዝተሰረቐ መረዳእታ ዝርዝር ሓበሬታ ኣድራሻ፣ ሽምን ቁጽሪ ስልክን ተጠቀምቲ ዝሓዘ’ዩ።

እንተኾነ፡ እቶም ሰርሰርቲ ቁጽሪ ናይ ገንዘብ ካርዲ እቶም ውልቀሰባት ንምጥቃም ዘኽእሎም መገዲ ኣይረኸቡን።

ካፒታል ዋን ወሃቢ ኣገልግሎት ምስ ባንክ ዝተኣሳሰሩ ምንቅስቓሳትን ኣሕታሚ ካርዲ ገንዘብ ኮይኑ፡ ብሰኑይ እቶም ሰርሰርቲ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ዝርከቡ 100 ሚሊዮን ዝጽግዑ ሰባትን 6 ሚሊዮን ድማ ኣብ ካናዳ ናይ ዘለው ተጠቀምቱን ውልቃዊ መረዳእታ ንምርካብ ፈተነ ምግባሮም ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣሜሪካ 140 ሽሕ ናይ ማሕበራዊ ሚስጢር ቁጽርታትን 80 ሽሕ ምስ ሒሳብ ቁጽሪ ባንኪ ዝተትሓሓዙን ከም ዝተጠቕዑ ገሊጹ።

ኣብ ካናዳ ድማ፡ ዓማዊል ካፒታል ዋን ናይ ዝኾኑ ከባቢ ሓደ ሚሊዮን ተጠቀምቲ፡ ናይ ማሕበራዊ ውሕስና ናይ ገንዘብ ካርዶም ከም ዝተሰርሰረ እቲ ኩባኒያ ሓቢሩ።

እዚ ብ19 ሓምለ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እቶም ሰርሰርቲ ሽምን መዓልቲ ልደትን እቶም ውልቀሰባት ካብ ምፍላጦም ብዝሰገረ፡ ዘለዎም መጠን ገንዘብ፣ ዘካየዱዎ ልውውጥ ገንዘብን ዓቐንን ምፍላጥ ክኢሎም’ዮም ኢሉ።

እቲ መረዳእታ ንምትላል ውዒሉ ክኸውን’ዩ’ኳ እንተበለ ቀጻሊ ምጽራይ ከምዘካይድ ግን ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣቦ መንበር ሪቻርድ ፌየርባንክ፡ “በቲ ዝተፈጥረ ነገር ይቕሬታ ይሓትት፤ እዚ ክስተት ከስዕቦ ዝኽእል ጭንቂ ይርድኣኒ’ዩ። ብምዃኑ ድማ ኩሉ መልክዕ ክትሕዝ ክገብር’የ” ኢሉ።

ቤት-ዕዮ ፍትሒ ኣሜሪካ፡ ምስዚ ዝተፈጥረ ኩነታት ኢንጅነር ሶፍትዌር ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ሲኣትል ንዝነበረት ኣሲሩ። ጓል 33 ዓመት ፔጅ ቶምፕሰን፡ ምትላልን ብዘይኣግባቡ ምጥቃምን ዝብል ክሲ ቀሪቡላ ትማሊ ኣብ ሲያትል ኣብ ቤት-ፍርዲ ቀሪባ’ያ።

ቀጻሊ ቆጸሮ ድማ ንሓደ ነሓሰ 2019 ተዋሂቡ’ሎ። ቶምፕሰን ገበነኛ ኮይና እንተተረኺባ፡ ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመትን 250 ሽሕ ዶላር ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ክፍረዳ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ምንጪ:  bbc tigrinya


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com