Tuesday , May 21 2024
An accordion is believed to have been stolen from a church in Överkalix. The accordion in the picture has nothing to do with the text. (AP Photo/Michael Probst) PFRA110

ክብርቲ ፊዛርሞኒካ (accordion)፡ ካብ ቤት-ክርስትያን ተሰሪቓ

ሓንቲ ክሳብ 170,000 ሽሕ ክሮነር ሽወደን ዝበጽሕ ዋጋኣ ፊዛርሞኒካ፡ ካብ ቤተ -ክሪስትያን ኦቨርካሊክስ (Överkalix) ከም ዝጠፍአት ኤንኤስዲ (NSD) ጺሒፉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዛ ብፉሉይ ጠለብ ዝመጽአት መስርሒት፡ ዝሓለፈ ሰንበት ‘ያ ሃንደበት ካብቲ ዝነበርቶ ቦታ ተኣልያ ጸኒሓ። እቲ ናይ ስርቂ ኣጋጣሚ ፍጻሜ፡ ናብ ፖሊስ ክሕበር ከሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዘለው ጉጅለ ናይ ፊዛርሞኒካ ሙዚቀኛታት ‘ውን እቲ ሓበሬታ ከምዝበጽሖም ተገሊጹ።

ናይ ቤተ -ክርስትያን ሙዚቀኛን ወናኒ ናይታ መሳርሒት ዝኮነ፡ ዮርገን ቬንስትሮም፡ እታ መሳሪሒት ብቀሊሉ ካብ ዓይኒ ጥርጣረ ንክትክወል ኣሸጋሪት ከምእትከው ከም ዝኣምን፡ ከመይ ኢላ ከም ዝጠፍአት ውን ምስጢር ኮይንዎም ከምዘሎ ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ኣብ ዝተወሰደትሉ እዋን፡ ዘስተውዓለ ሰብ ክህሉ ናይ ግድን እዩ፡ ፊዛርሞኒካ፡ ብቀሊሉ ሓቢእካ ክትወስዳ ትኽእል ነገር ኣይኮነትን ክብል ወሲኩ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com