ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ዘቕረቦ ጠለብ መንበሪ ፍቓድ ከምዝነጸጎን ካብታ ሃገር ንኽባረር ውን ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩን እንተኾነ ግን ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ ነቲ ውልቀ ሰብ ብምሕባሩ ካብ ተሓላቒ ፍትሒ (JO) ከቢድ ነቐፌታ ወረድዎ። ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ውሳነ ናይቲ ጠለብ ኣብ ሓምለ 2016 ከምዝሃበትሉ እንተኾነ ድሕሪ 20 ኣዋርሕ ኣብ የካቲት 2018 ነቲ ውልቀ ሰብ ከምዝሓበሮ ተፈሊጡ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ተሓላቒ ፍትሒ፡ ጥርዓናት ናይቶም ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ወገናት ኮነ ሰራሕተኛታትን ሕማቕ ኣታሓሕዛ ዘጓንፎም ሰባት ዝሰምዕ፡ ብወገኑ ነዚ ዝተፈጸመ ምዱንጓይ ቅቡል ከምዘይኮነ ይዛረበሉ። ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ንዝመሓላልፎም ውሳኔታት ንምእራም ኣብ ዝፍትነሉ እዋናት ብዙሕ ኣበራት ከምዝርከቦምን ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንዝኽተሎም ዘይብቑዕ ናይ መአረሚ ኣገባባት ክንቀፈሎም ከምዝግባእ ክድምደም ይኽእል ክብል JO ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ንጉዳያት ጠለብ ሕቶ ዑቕባ ብዝምልከት፡ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ውሳነ ኣብ ዝነግረሉ እዋን ነቲ ውልቀ ሰብ ኣብቲ ኣኼባ ብምጽዋዕ ብኣካል ክነግሮ ይግባእ።
ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ነዚ ዘጋጠመ ጉድለት ኣመልኪቱ ውሽጣዊ መርመራ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ። ንዝኾነ ዓይነት ሃናጺ ነቐፌታ ብኽፉት ልቢን ብተገዳስነትን ከምንቕበልን ብዘጋጠመ ጌጋ ይቕሬታ እናሓተትና ንዝኾነ ዓይነት ውሳነ ብዘየገድስ ንዝምልከቶ ኣካል ብዝቐልጠፈ እዋን ክንገር ከምዘለዎ ክንገብር ኢና ክብል ጋዜጣዊ ወሃብ ቃል ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ፒር ኢክ ፡ ንተለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ።