Tuesday , May 21 2024
** TO GO WITH STORY SLUGGED CONGO UN AT WAR ** A U.N. armored personnel carrier drive past Congoese villagers walking on a dusty road, Jan 27, 2004 outside Bunia, capital of the volatile Ituri province in northeastern Congo. The U.N. force in Congo is using helicopter gunships, armored personnel carriers and troops on the ground to battle tribal fighters in Ituri, just three years after the troops arrived in Congo with the sole mandate to protect unarmed military observers monitoring a shaky cease-fire between Congolese rebel and government troops. (AP Photo/Rodrique Ngowi)

ኮንጎ ንቀተልቲ ክኢላታት UN: ብሞት ፈሪዳ

ኮንጎ: ነቶም ኣብ ቅትለት ክኢላታት UN ኢድ ኔርዎም ብዝብል እተኸሱ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ኣባላት ሚሊሻ: ብሞት ፈሪዳ።

ዜጋ ሽወደንን ቺሊን ዝኾነት ዛይዳ ካታላን ከምኡውን ኣመሪካዊ ሚካኤል ሻርፕ ኣብ 2017 ኣብ ዞባ ካሳይ እናዓየዪ ተጨውዮም ከም እተቐትሉ እዩ ዝግለጽ።

እዞም ክኢላታት: ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓትን ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት ኣብቲ ከባቢ ኣለዉ ዝበሃሉ ጅምላዊ መቓብራት ኣብ ምምርማር እናሃለዉ እዮም ተቐቲሎም። ብዘይካዚ ኣብ ስራሕ ምትርጓም ዝተሓባበሮም ዝነበረ ቤቱ ሺንተላ እውን ከም እተቐትለን ኣካላት እዞም ግዳያት ድሕሪ 16 መዓልታት ከም እተረኽበን ጸብጻባት የመልክቱ። ብፍላይ ድማ ካታላን ተሰዪፋ ከም ዝረኸብዋ እዩ ዝግለጽ።

UN በዚ ዘጋጠመ መቕተልቲ ኣመና ከም ዝሰንበደ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ውድብ ነዞም ግዳያት ፍትሒ ከውጽኣሎም ኲሉ ዝከኣሎ ከም ዝገብር ዋና ጸሓፊ UN ኣንቶንዮ ጒተረዝ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ ኣብ 2017 ኣብ ካሳይ እተኻየደ ግርጭት ኣማኢት ሰባት ምሟቶምን ሚልዮናት ድማ ከም እተመዛበሉን ካብ DRC ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com