Monday , May 20 2024

ኲባንያ ሽወደን ኣብ ምምዕባል ክትባት ጸረ ኮሮና ኦክስፎርድ ትሳተፍ ምህላዋ ተገሊጹ።

ብሪ-ሽወደናዊ ትካል መድሃኒት ኣስትራ ዘነካ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብምዃንን ኣብ ምምዕባል ክትባት ጸረ ኮሮና ይሳተፍ ምህላዉ SVT ገሊጹ። ኣብ ትካል ጀነር ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝሰርሑ ተመራመርቲ ብሪጣንያ ክትባት እዚ ሕማም ንምርካብ ግዜ ኣብ ዘይህብ ዕማም ተዋፊሮም ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊ 6000 ሰባት ፈተነ እዚ መድሃኒት ክጅምሩን ውጽኢታውንት እዚ መድሃኒት ክፍትኑን ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። “ኣድላይነት እዚ ክትባት ኣዝዩ ህጹጽ እዩ” ይብል ዋና ኣካያዲ እቲ ትካል መድሃኒት ፓስካል ሳርዬት ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ። ተመራመርቲ ክሳ ዝመጽእ መስከረም ሚልዮናት ክትባታት ከፍርዩ ምዃኖም ድማ ተመልኪቱ። እዚ ክትባት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሬሱስ ዝተባህላ ዓሌት ህበይ ከም ዝተፈተነን ድሕሪ 28 መዓልታት እተን ኣህባይ ጽቡቕ ምምሕያሽ ጥዕና ምርኣየንን ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ጸብጺባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com