Tuesday , May 21 2024

ወለድ ብምንካዩ ገዝኦም ክሸጡ ዝደልዩ ሰባት ይውስኹ

Credit: Roza Bicer / Sveriges Radio

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መላእ ሽወደን ዋጋታት ህንጻታትን መንበሪ ኣባይቲን ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ማእከላይ ባንክ ሽወደን “ሪክስባንክ” ነቲ ፖሊሲ ወለድ ንምንካይ ዝበጽሖ ውሳነ፡ ገዝኦም ንምሻጥ ድሉዋት ዝኾኑ ሰባት ቊጽሮም ከም ዝውስኽ ዝገብር እዩ ክትብል ኣብ ኡፕሳላ ዝርከብ ወኪል ኣባይቲ ራሺን ኮሄን ገሊጻ’ላ። ሕጂ ምንቅስቓስ ሰባት፥ ኣብ ዕዳጋ ኸኣ ዝያዳ ህይወት ክንርኢ ኢና ኢላ’ላ። እዚ እናኾነ፥ ኣብ ማእከላይ መደበር ስቶክሆልም፡ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዋና ወለዶም ንምንካይ ዝወሰዶ ውሳነ፡ እወታዊ ግብረ መልሲ ይረክብ ኣሎ። “እዚ ውሳነ ንቁጠባይን ንቁጠባ መላእ ሃገርን ክጠቅም እዩ” ክብል ሕጂ ዝያዳ ኣብ ዕቋር ከእቱ መደብ ዘለዎ ቪክቶር ጋልስትሮም ይገልጽ። ሪክስባንከን ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ዋና መጠን ወለዱ ከጉድል ሕጂ ፋልማዩ እዩ። ማእከላይ ባንክ ሽወደን “ሪክስባንክ፤ ነቲ ቀንዲ ወለዱ ብርብዒ ሚእታዊት ብምጉዳል ናብ 3.75% ኣብጺሕዎ’ሎ። ትማል ረቡዕ ዝተገብረ ምጉዳል ወለድ፡ ሪክስባንክ ድሕሪ ልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝገበሮ ኮይኑ፡ ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣትዩ እዩ ዝብል ዳግማይ ምትእምማን ከምዘለዎ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። “ህሉው ዝቕባበ እንድሕር ተገቲኡ፡ እቲ ዋና ወለድ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ዓመት ብክልተ ዕጽፊ ክወርድ ተኽእሎ’ሎ” ክብል ሪክስባንክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጽሒፉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com