Monday , May 20 2024

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣብ ከክልተ ሰሙን ሓደስቲ ናይ መገሻ መምርሒታት ክወጽእ ምኻኑ ወሲኑ

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ክረምቲ ዘገልግል ናይ መገሻ መምርሒታት ኣብ ከክልተ ስሙን ከመሓላልፍ ምኻኑ ሓቢሩ። እቲ ውሳነ ካብ 15 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ 29 ሓምለ ንኻልኣይ ግዜ ስዒቡ ድማ ኣብ 21 ነሓሰ ክመሓላለፍ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ተቐያየሪ መምርሒታት መገሻ ናይ ሃገራት ምኻኑ TT ሓቢሩ።

እዚ ዘሎ ኩነታት፡ ክግምገም ዘይክእልን ተቐያያርን እዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ንቅሩብ ግዜ ክቕጽል ተኽእሎታት ኣሎ። ነዚ ተቐያያሪ ኩነታት ዝበለቶ ንምብራህ፡ ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ግሪኽ ካብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ ክቕበል ድልዉ ምኻኑ ገሊጹ ነይሩ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ውሳኔኡ ቀይሩ ክትብል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣን ሊንዲ፡ ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢራ።

ናይ መገሻ መምርሒታት ኣብ ውሱናት ዕለታት ምሕባር፡ ገያሾ መደባቶም ንኽሰርዑ ክሕግዞም ተስፋ ንገብር። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ህጹጽን ሓድሽን ሓበሬታታት ናይ ካልኦት ሃገራት እንተ ረኺቡ ብቕልጡፍ ክሕብር ምኻኑ እታ ሚኒስተር ገሊጻ።

ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ መላእ ዓለም ንጹራት ዝኾኑ ናይ መገሻ መምርሒታት ብዘይምህላዎም፡ ሊንዲ፡ስክፍታኣ ትገልጽ።

ካብ ዝገሸሉ ቦታ ናብ ሽወደን ክምለሱ ንዘይከኣሉ ሰባት ብወገን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ይኹን ኤምባሲ ንምምላሶም ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከምዘይረኽቡ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ንቕድሚ ሕጂ ዘመሓላለፎ ውሳነ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com