Monday , May 13 2024

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ን15 ዜጋታት ካብ ቻይናዊት ከተማ ዎሃን ንምግዓዝ ይውጥን።

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ነቶም ኣብቲ ብክሮና ቫይረስ ተጠቒዑ ዘሎ ከባቢ ሆቢ፡ ዎሃን፡ ዝነብሩ ዜጋታታ ንምግዓዝ መጽናዕቲ የካይድ ኣሎ። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ዜጋታት ሽወደን ቁጽሮም ክሳብ 15 ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ ኣሎ። ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ንድሕነት ናይዞም ዜጋታት ንምውሓስ ዝዓለመ ቀጻሊ ዝርርብ የካይድ ምህላዉ ጋዜጣዊ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሓቢሩ። ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ዝኾነ ዜጋ ናብ ከባቢ ሆቢ፡ ዎሃን ኣገዳስነት ዘይብሉ መገሻ ንኸይፍጽም ዝሓለፈ ሰንበት ምኽሩ ከም ዝለገሰ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com