Tuesday , May 21 2024
(AP Photo/Robert F. Bukaty) MERB101

ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ደቡብ ሽወደን ትማሊ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ዝለዓለ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ 4.7 ክሮና ን 1 ኪሎዋት ኣወር ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ግና ካብዚ ዝልዕል ዋጋታት ከም እተመዝገበ ተገሊጹ። በዚ ዘሎ ፍጥነት እንተቐጺሉ ካብ ትማሊ ዋጋ ጸዓት ናብ 7.68 ክሮና ን 1 ኪሎዋት ኣወር ክበጽሕ ተኽእሎ ምህላዉ፡ ጸብጻብ ተሌቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ።

ኣብ ኣውሮጳ እተኸስተ ልዑል ዋጋ ጋዝ ፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት ድኹም ንፋሳት ትሑት ተሓዳሲ መፍረ ኤለትሪክ ምርካቡ፡ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ዞባ ኣርባዕተ ዘሎ ልዑል ዋጋ ጸዓት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዞባ 4 ከምኒ ቫስትራ ጎትላንድ፡ ክልማር፡ ሃላንድን ዮንኮፒንን ዝበላ ዓዲታት ደቡብ ሽወደን ዝሽፍን ስፍሓት መሬት እዩ።

እዚ ልዑል መጠን ዋጋ ኣብ ሰሜን ሽወደን ኣይክረአን እዩ። ንኣብነት ኣብ ሉለያ ትማል ረቡዕ ዝነበረ ዋጋ 13 öre ን ኪሎዋት ኣወር እዩ ኔሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com