Monday , May 20 2024
Salvatore Di Nolfi/AP

ውድብ ጥዕና ዓለም ንስትራተጂ መኸተ ለበዳ ሽወደን ንኢዱ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ንስትራቴጂ መኸተ ለበዳ ሽወደን ኣብ ድሕረ ምውሻብ ካልኦት ሃገራት ከም ሞዴል ክወሰዳኦ ዝኽእላ ኣገባብ እዩ ክብል ናእዳኡ ምሃቡ ተገሊጹ። ላዕለዋይ ክኢላ ህጹጽ እዋናት ዶክተር ማይክ ርያን ሽወደን ምውሻብ ከም ስትራቴጂ ብምንጻግ ኣብያተ ትምህርቲን ቢዝነሳትን ክፉታት ክጸንሑ ምግባራ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። “ዳግማይ ናብ ንቡር እንድሕሪ ክንበጽሕ ኴንና ሽወደን ከም ሞዴል ክንወስዳ ከድልየና እዩ” ክብል ድማ ወሲኹ። “ሽወደን ፍልዩነታ ህዝባ ንመምርሒ ምፍንታት ክትግብሩ እዮም ኢላ እምንቶ ምሕዳራን ጽቡቕ ፖሊሲ ህዝባዊ ጥዕና ስለ ዘለዋን እዩ” ድማ ኢሉ።

ምንጪ፣ https://sverigesradio.se/artikel/7463561


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com