Monday , May 20 2024

ዓሰርተ ሓደ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም

ኣብ ዮኒቨርስቲ ኦምዮ፡ ዓሰርተ ሓደ ተማሃሮ፡ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ።

በዓል መዚ ጥዕና’ቲ ከባቢን ምምሕዳር’ቲ ዩኒቨርስቲን ብሓባር ነቲ ተራእዩ ዝነበረ ምስፍሕፋሕ ለበዳ፡ ኣብ ምቁጽጻር ልዑል ተራ ከምተጻወቱ ኣብ ቮርድሂግየን (Vårdhygien) ሕክምናዊ ሓላፊት ዝኾነት ማርያ ማርክሉንድ ኣረጋጊጻ። ንቀንዲ መበገሲ ቫይረስ ኮሮና ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ንምፍላጥ፡ ምትሕብባር ናይ ተማሃሮን መማህራንን ዓቢ ከምዝነበረ ብምውሳኽ ገሊጻ።

መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ሕክምናዊ ዮኒቨርስቲ ኦምዮ፡ ምንጪ መልከፍቲ ንምፍላጥ ብዝተገብረ ጻዕርታት እቲ ለበዳ ኣብ ውሱናት ሰባት ተሓጺሩ ተሪፉ ክብል ሓኪም ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ስቴፋን ስቲንማርክ፡ ገሊጹ።

እዞም ተማሃሮ፡ ኣብ ሓደ መርዓ ምስ ከዱ፡ እቲ መልከፍቲ ኮሮና ከምዘጋጠሞም ሓላፊ ትምህርቲ ሕክምናዊ ፕሮግራም፡ ኣሸር ማግኖስ ሆልቲን፡ ገሊጹ።

እዞም ብኮሮና ዝተለኽፉ 11 ሰባት፡ ተማሃሮ ሕክምና መወዳእታ ዓመት እዮም።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com