Tuesday , May 21 2024

ዓበይቲ ክለባት ባየርሙኒኽን ባርሶሎናን ውድድረን ብ ነጥቢ ምጥፋእ ይጅምሮኦ!!

ትማሊ ምሸት ንመኽፈቲ ግጥም ላ ሊጋ ንምጅማርን ክብራ ንምዕቓብን ናይ ዓሚ ተዓዋቲት ክለብ ባርሶሎና ናብ ሜዳ ሜሞስ ኣቕንዓ ምስ ክለብ ኣትለትኮ ቢልባኦ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ መበል 89 ደቅቕ ብ ተጻዋታይ ኣድሩዚ ብዘተመዝገበታ ሸቶ ብ ስዕረተ ነዚ ሓዱሽ ውድድር ዘመን ጀሚራቶ። ኣብዚ ግጥም’ዚ ክለብ ባርሶሎና ን ስዋረዝ መጉዳእቲ ጸወታ ከቛርጽ ከሎ መሲ እውን ኣብ ጸወታ ምሕዝነታ ብዘጋጠሞ ማሕሰይቲ ኣይተሰለፈን።

ተዓዋቲት ቡንዱስ ሊጋ ዝኾነተ ዓባይ ክለብ ባየርሙኒኽ ኣብ ሜዳኣ ን ክለብ ሀርታ በርሊን ዓዲማ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ ክብራ ብ ምጥፋእ ክልተ ነጥቢ ኣብ ግዛእ ሜዳኣ ብምክሳር ፈሊማቶ። ኣብዚ ግጥም ክልተ ሸቶታታት እዛ ክለብ ካብ ሉዋንዶሊስኪ ዝተረኽባ እየን።

ግጥም ፕሪመር ሊግ ኢንግሊዝ ኣብዚ ናይ ካልኣይ ሰሙን ግጥሙ ን ዓበይቲ ክለባት ማንቸስተር ሲትን ቶተንሃምን ብምርኻብ ግጥሙ ሎምን ጽባሕን ክቕጽል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com