Tuesday , May 21 2024

ዓበይቲ ክለባት ፕረመርሊግ ውድድረን ብ ዓበይቲ ዓወት ይጅምርኦ!!

ን ውድድር ፕሪመርሊግ ዝመወሰቶ ዝሓለፈ ዓመት 97 ነጥቢ ኣዋህሊላ ክንሳ ግን ካልኣይ ደረጃ ዝዛመት ክለብ ሊቨርፑል ን ነርውች ዓዲማ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ብ ገፊሕ ዓወት ካብ ሳላሕ፣ ቫንዳይክ፣ ኦሪግን ናብ ገዛኣ ልዳቱ ዘመዝገቡ ግራንት ተሓጊዛ 4 ብ 1 ብምዕዋታ ድሕሪ 30 ዓመትን ነዛ ዋንጫ ንምልዓል ቆሪጻ ዝተበገሰት ትመስል።

ብ ቐዳም ዘካይደት ተዓዋቲት ፕሪምርሊግ ዘኾነት ሃብታም ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ሕጂ እውን ክብራ ተድፍር ኣይቲመስል ናብ ለንደን ገይሻ ምስ ክለብ ዌስት ሃም ኣብ ዝገብረቶ ጸውታ ሕጂ እውን ኣይድፈርን ብዝመስል ጸወታ ካብ ኢንግሊዛዊ ራሕም ስተርሊን ብ ዝሰርሖ ሃትሪክ ተሓጊዛ ሓሓንቲ ሸቶ ካብ ኣውጌሮን ጀሱስ ብ ዝረኸበተን ሸቶታት ናይዚ ሰሙን ዝበዝሔ ሸቶታት ብምምዝጋብ 5 ብ 0 ተዓዊታ።

ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ካብ ዝገጠመት ናይ 4 ደርጃ ሒዛ ዝወደት ለንደናዊት ክለብ ቶተንሃም ን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናብዚ ሊግ ዝደየበት ኣስቶንቪላ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ሲጋብ 73 ደቒቕ 1 ብ 0 ተመሪሓ እኻ እንተነበረት ዝኸበረ ተጻዋታ እዛ ጋንታ ዝኾነ ንደንበለ ብዝመወሳ ሸቶ ድሒራ ካብ ኪን ዝረኸበተን 2 ሸቶታታት ተሓጊዛ 3 ብ 1 ብምስዓር ተወዳድርነታ ትቕጽል።

ቐጺለን ብ ሰንበት ካብ ዘከያዳ ግጥማት ኣርሰናል ናብ ክለብ ኒውካስትል ተጋዒዛ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ ብጸቢብ ካብቲ በዓል ውዕለታ ኣቡሙያን ብዝረኸበታ እንኮ ሸቶ ሰልስተ ነጥቢ መንዚዓ።

ቀጺለን ዝገጥመ ኩሉ ብ ኣንክሮ ክጽበዮ ዝጸንሔ ግጥም ዓበይቲ ክለባት ማንቸስተር ዩናይትን ቸልሲ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ክለብ ቸልሲ ፈጺማ ነዚ ናይ ሎሚ ውድድር ብዝግባእ ዘይተዳለውት ትመስል ኣብዚ ግጥም ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ዘመዝገበቶ ገፊሕ ዓወት ድሕሪ 1965 እቲ ዝበለጸ ኣብ ኦልትራፎርድ ኮይኑ ዝተሰነደ’ዚ ኮይኑ ኣሎ። ኣዚ ድማ  ንሓድሽ ኣሰልጣኒ ቸልሲ ፍራንክ ላምፓርድ ዝሕፈረሉን ኣሰልጣኒ ክለብ ማንቸስተር ሶልሻየር ከምቲ ኣመጻጽኡ ብዓወትስ ጀሚሩ ዝውጽልከ ኮኑ ኣሎ ክብሉ ይትንትንዎ ምኽንያት መስመር ምጥቃዕ ኣዛ ክለብ ድሕሪ ምኻድ ሉካኩ ብ ንራሽፎርድ፡ ማርሻልን ሳንቼዝን ኣብ ቅድሚት ሒዝካ ይውዳእ ድዩ እዩ ነገሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com