Monday , May 20 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ዕጸፋርስ ብመርፍእ ናይ መውሰዲ ቦታታት ምቛም ዝብል ሓሳብ ዳግመ ግምት ክግበረሉ እዩ።

ወልፊ ዕጸፋርስ ዘለዎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ክትትል ስታፍ ክንክን ጥዕና ዝግልገሉሎም፥ ብመርፍእ ናይ መውሰዲ ቦታታት ብሰንኪ
ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝውሰድ ዕጽፋርስ ክበጽሕ ዝኽእል ሓደጋ ሞት ኣብ ምንካይ ርኡይ ለውጢ ከም ዘርኣዩ ተገሊጹ። ሃገራት
ጀርመን፡ ኖርወይ፡ ደንማርክን ከምዚ ዝበለ መደብራት ክህልወን እንከሎ፥ ኣብ ሽወደን ግና ዋላኳ ብብርክት ዝበሉ ትካላት
ጻውዒት ክግበር እንተጸንሐ ክሳብ ሕጂ ከይተሃንጸ እዩ ጸኒሑ።
ሽወደን ብተዛማዲ ልዑል ምስ ዕጸፋርስ ዝተተሓሓዘ ሞት ዝኽሰተላ ሃገር እያ። እዚ እማመ ከም ዝሰፍሐ ኣካል ናይቲ ወልፊ
ዕጸፋርስ ዘለዎም ሰባት ዘጋጥሞም መጠን ሞት ንምጒዳል ዝግበር ጻዕሪ፥ ዳግመ ግምት ክግበረሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com