Monday , May 20 2024
Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ዝርጋሐ ለበዳ ኮሮና ኣብ ስኮና ብዘገምታ ይቕጽል።

ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ምስተን ካልኦት ምምሕዳራት ብምንጽጻር ኣብ ምምሕዳርና ብቐስታ ይቕጽል ምህላዉ ዝሓሸ ኩነታት ኣለና ክብል ኣቦ ወንበር ሽማግለ ምምሕዳር ስኮና፡ ኦልፍ ዮንሰን ሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ሕብረተሰብና ስኮና ነቲ ብኣሃዱታት ህዝባዊ ጥዕና ዝወሃብ መምርሒታት ክዝንገዖ ከምዘይብሉ ብትሪ ኣዘኻኺሩ። ነዚ በጺሕናዮ ዘለና ምዕባለታት ንምዕቃብ መምርሒታትን ሓበሬታታትን ሸለል ክንብል ከምዘይብልና፡ ኣንጻር’ዚ ሕማም ዝግበር ቃልሲ ነዊሕን ከም ናይ “ማራቶን” ቅድድምን እዩ ክብል ኣመሳሲልዎ።

ኣብ መጨረሽታ ናይዚ ሰሙን ነዊሕ ዕረፍቲ ስለዘለና ኣብ ገዛ ክንጸንሕ ይግባእ ክብል ሓቢሩ። ኣንጻር’ዚ ሕማም ኣብ ዝግበር ቃልሲ ፍርቂ ጉዕዞ ተጓዒዝና ኣዳኺምናዩ ኣለና። ነቲ ተሪፉ ዘሎ ድማ ፍርቂ ንምስዓር ድማ ኣብ ኣካይዳና ቁሩብ ለውጢ ክንገብር ይግባኣና ክብል ዘረብኡ ደምዲሙ። ኣብ ስኮና፡ ብዝሒ ብቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 717 በጺሑ ኣሎ። ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘለዉ 87 ሕሙማት ኣለዉ። ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ድማ 22 ሰባት ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ድማ 66 ሰባት እዩም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com