Tuesday , May 21 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ዝበዝሑ ብሰልፊ ሞደራትና ዝቐረቡ እማመታት፡ ድጋፍ ረኺቦም

ዘይሕጋውያን ሰባት፡ ኣብ ሽወደን ንኽነብሩ፡ ከቢድ ዝገብረሎም ኣገባባት ንምፍጣር ተባሂሉ ብመንገዲ ሰልፊ ሞደራትና ዝቐረቡ 10 እማመታት፡ ብዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ሽወደን ተቐባልነት ረኺቦም ከምዘለዉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሰልፊ ሞደራትና፡ ነቶም 8 እማመታት ካብ ማእከላይ ሰልፊ (Center Party)፣ ክሪስ ዲሞክራተና፣ ካብቲ ሽማግለ ማሕበራዊ ድሕንነት ናይ ሊበራላውያንን ስቬርያ ዲሞክራተናን ድጋፍ ከም ዝረኸበ ተፈሊጡ’ሎ። ከም ጸብጻብ SVT Nyheter እንተኾይኑ፡ እዞም እማመታት ከም ናይ ሓባር ተበጉሶ ክቐርቡ ከምዝኾኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
“ብዙሓት ተረርቲ እማመታት ኣቕሪብና ኣለና፡ ኣነ ብወገነይ ድማ ብዙሓት ድጋፎም ስለዝገለጹ ሕጉስ እየ” ክትብል ኣብ ናይ ስደተኛታት ፖሊሲ፡ ወሃቢት ቃል ሰልፊ ሞደራተና፡ ማሪያ ማልመር ስቴነርጋርድ፡  ን SVT ሓቢራ።
ካልኦት ነገራት ሓዊሱ፡ ሰብ-መዚ ዝኾነ ሓበሬታ ምስ ሕድሕዶም ክካፈሉ መታን ክኽእሉ እቲ ናይ ውልቃውነት ዝምልከት ሕጊ ብዛዕባ ምቕያር እዩ። ካልእ ዝቐረበ እማመ ድማ ሓደ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ሰብ ምስ ዝርከብ፡ እቶም ምሕደራታት ይኹኑ ሰብ-መዚ ብዛዕባ እዚ ሰብ’ዚ ንትካል ስደተኛታትን ንፖሊስን ናይ ምንጋር ሓላፍነት ከም ዘለዎም ዝምልከት እማመ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ከም ጆኒ ካቶ ናይ ሰልፊ ማእከል ወሃብ ቃል ናይ ሰደተኛታት ፖሊሲ እንተኾይኑ፡ እቲ ሰልፊ ነዚ እማመ ዝደገፎ፡ መንግስቲ ነቶም ዑቕባ ሓቲቶም ዝተነጽጉ ሰባት ካብ ሃገር ንኸውጹ እዚ ዝባሃል ጻዕሪታት ስለ ዘየርኣየ ምኳኑ ኣብሪሁ።
“ኣነ ከም ዝሓስቦ እንተኾይኑ መንግስቲ ከልዕሎም ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣለው – ከመይ ጌርና ዝሐሸ ውጽኢት ንረክብ ዝብሉ ሓዊሱ። እቲ መንግስቲ ግና ነዞም ዛዕባታት ብቅድመ ተኸተል፡ ክማያየጠሎም ዘይምኽኣሉ ብጣዕሚ ዘሕዝን’ዩ” ክብል ን SVT ሓቢሩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com