Monday , May 20 2024
Anders Wiklund

ዝኾና ሕዱር ሕማም ዘይነብሮ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ብሰንኪ ኮሮና ዓሪፉ።

ኣብ ደቡብ ስቶክሆሎም ዝቕመጥ ዝነበረ ሕዱር ሕማም ዘይነበሮ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣሚን ስላይፍ ብሰንኪ ኮሮና ካብዛ ዓለም ብሞት ከምተፈልየ “ኣፍቶንብላደት” ሓቢሩ። መንእሰይ ኣሚን፡ ኣብ መጀመርታ ከም ንቡር ሓማም ሰዓል መሲልዎ ሸለል እኳ እንተበላ፡ ቀጺሉ ግን በብቕሩብ ብርቱዕ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ጎሮሮን ረስንን ኣስዒብሉ፡ ቀጺሉ ውን ኣብ ምዝራብ ጸገማት ክገብረሉ ጀሚሩ ክትብል ኣዲኡ ሓቢራ። መንእሰይ ኣሚን፡ ንሰለስተ ሳምንታት ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ድሕሪ ምጽንሑ ብሞት ከምተፈልየን፡ ኣብ ሽወደን ካብቶም ብሰንኪ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ዝከታተልዎ ዝነበሩ ሓካይም ንኸድሕንዎ ዝግበኦም ከምዝገበሩን ምስጋናና ይብጸሓዮም ክትብል ወላዲት መዋቲ ዘረባኣ ትድምድም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com