Monday , May 20 2024
Per Larsson / TT / kod 11390

ዝዓበየ ዕደናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ታሪኽ ሽወደን የጋጥም።

ብሰንበት  ኣብ ሰሜን ሽወደን ኣብ ዚርከብ ናይ ኪሩና ዕደና ሓጺን ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙዎ። እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ሽወደን እቲ ኣዚዩ ዝሓየለ ሙኻኑ ተገሊጹ። እዚ 4.1 ዝሓይሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብዓለም ደረጃ እውን ዘይልሙድ ሙኻኑ ብዮርን ሉንድ ኪኢላ ስነ-ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ገሊጹ።

እዚ ምንቅጥቃጥ ብ ሰንበት  ሰዓት 3 ዘጋጠመ ኮይኑ። መብዛሕትኡ ተቐማጣይ ድማ ሻቕሎቶት ከምዝፈጠረን ኩሉ ሰብ ካብቲ ቦታ ከም ዘልግስ እዚ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልጽ። ዕደና ዳርጋ ኩሉ ግዜ ምንቅጥቃጥ ዘስዕብ  ኮይኑ፡ ብፍላይ እቲ ቦታ ከውሒ ምስ ዚበዝሖ ንምቅጥቃጥ ቁሉዕ ሙኻኑ ኣዚ ኪኢላ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com