Monday , May 20 2024
Foto Claudio Breskiani / TT kod 10090

ዩክሬን፥ ብሰንኪ ኲናት ዝሰዓበ ዕንወት ከባቢ ዝምርምር ጉጅለ መስሪታ።

ዩክሬን፥ ብሰንኪ ኣብ ሃገራ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝሰዓበ ዕንወት ከባቢ ዝምርምር፡ ከምኡ’ውን ን ዳግመ ህንጸት ዝኸውን
ኣማራጺታት ዝጥምትን ኣህጉራዊ ጉጅለ መስሪታ።
"ዩክሬንን ካልእ ክፋል ዓለምን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣጸቢቖም ዝግንዘብዎ ነገር እንተሃልዩ፡ ተፈጥሮን ኣከባብን ካልእ ተወሳኺ ግዳይ
ኲናት ይኸውን ምህላዉ እዩ" ክትብል ነዚ ጒጅለ ምስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣንድሪ የርማርክ ብምዃ
ንእትመርሖ ዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ነበር ከምኡ’ውን ኮሚሽነር ኤውሮጳ ማርጎት ዋልስትሮም ገሊጻ። እዚ ግሬታ
ቱንበርግ እውን ኣባሉ ዝኾነት ጉጅለ፡ ኣብ ከምኒ ግድብ ካኮቭካን ኒዩክለራዊ ትካል ዛፖሪዝዝያ ዝበጽሕ ዕንወት ኣብ ልዕሊ
ምምርማር፡ ብሰንኪ ባርዕ ጫካን ምፍሳስ ነዳድን ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ዝበጽሐ ምብራስ ስነ ህይወት እውን ኣጻፊፉ ከዳሉ እዩ
ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com