Tuesday , May 21 2024
Ett barn provtas för Covid-19 smitta med ett PCR-test Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ዴኒማርክ . . . ዝበዝሑ ልዕሊ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ተኸቲቦም

ሰለስተ ርብዒ ካብቶም ዕድሚኦም 12 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ዴኒማርካውያን፡ ምሉእ እብረ ክታበት ከምዝወሰዱ፡ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ማግኑስ ሂዩኒከ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ነዞም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ብዝምልከት፡ ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ንክታበቶም ምስ ኣፍቀደ፡ ተቐላጢፋ ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ክታበት ከምዝጀመረቶ ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ ናእሽቱ መንእሰያት ዝረአ መጠን መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና፡ ውሑድ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሕብረተ ሰብ ዝረአ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምቁጽጻር ግን፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ክብ ክብል፡ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ ክብል እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com