Monday , May 20 2024
Foto: Fredrik Hagen / NTB scanpix / TT / kod 20520

ዴንማርክ፡ ልዕሊ 200 ዩክሬናውያን ስራሕ ረኺቦም።

203 ስደተኛታት ዩክሬይን፡ ብመሰረት ዝወጸ ፍሉይ ሕጊ፡ ስሉጥ ፍቓድ መንበሪ ድሕሪ ምርካቦም፡ ድሮ ስራሕ ምጅማሮም ካብ ዴንማርካዊ ኤጀንሲ ዕዳጋ ሽቕለትን ምቚጻር ስራሕን ዝተረኽበ ሓድሽ ዳታ ኣመልኪቱ። ኣብ ጆብኔት ዝተባህለ ስራሕ ንምርካብ ዝድልል መርበብ ሓበሬታ፡ 4800 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቓቕቶም (ሲቪኦም) ኣእትዮም እኳ እንተለዉ፡ ዛጊት 203 ጥራይ ስራሕ ምርካቦም፡ ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት ገና ስራሕ ንምርካብ ይጋደሉ ምህላዎም ዘመልክት እዩ፡ ክትብል ዴንማርክ ሎካል ሓቢራ።

ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንደሓር፡ ባይቶ ዴንማርክ ን ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝህብ መስርሕ ክቀላጠፍ ብዝብ፡ል ሓድሽ ሕጊ ምጽዳቑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com